ስመርርርር
ብገዛኢ ኪድነ
ህዝብና ካብ ቀደሙ ዝምነያ
ዓመታት ሓሊፍዎ ክጽበያ
ሎሚ እምበር ተሰሪሑ ቅያ
ንኹሉ ዝምህር ዓቢ ሞያ
ብምክብባር ሓድነት ተራእያ።
እዚ እንዲ’ዩ ናይ ህዝብና ትጽቢት
ሓድነት’ኮ ኢዩ ናይ ቀደሙ ትንቢት
በሊ ኪዲ ዘምብዪ ተላኣኺ ርግቢት
ምክእኣል ነጊሱ ከኽትም’ዩ ትዕቢት።
እዚ ኢዩ ትጽቢት ናይ ህዝብና ባህጊ
ኣብ ክንዲ ብኣስገዳድ ብበትሪ ሓለንጊ
ከምቲ ልሙድ ባህላና ተወንዚፍካ ፈርጊ
ኣብ ቅድሚ ደያኑ ተሞርኲስካ ዘንጊ
ሃገር ክትመሃደር ብስርዓት ብሕጊ።
በሊ መልእኽቲ ኣብጽሒ ኣንቲ ዑፈይ ዋሪ
ብህግደፍ ዝተደፍረ ክምለስ ኢዩ ክብሪ
እናበልኪ ኣብ ሰማያት ኤርትራ ዙሪ
መርድእ ኣስምዒ ናይ ህግደፍ ቀብሪ
በቲ ጥዑም ድምጽኺ ብስራት ንገሪ
ንኹሎም ፍጡራት ኤርትራ ኣበስሪ።
ብሕግን ስርዓትን ክሕተቱ ዝኣበሱ
ካብ ማእሰርቲ ክወጹ ዝተሓበሱ
ህዝብና ክረክብ ናይ መስዋእቲ ደበሱ
ርሑቕ ዝተሰዱ ናብ ዓዶም ክምለሱ
ኣብ መሬት ዓዲ ኣቦኦም ክጣየሱ።
እንስሳ ዘገዳም’ውን ተመለሱ በልዮም
ናይ ሰላም ነጋሪት ብቃልኪ ኣስምዕዮም
ሰባት ናብ ቤቶም ክምለሱ መዓድዮም
ነዕዋፍ ሰማይ ንዓሳታት ባሕሪ ንገርዮም
ኣውሊዕ ድሕነት ንኹሎም ዓድልዮም።
ድሕነት ድሕነት በሊ ንላዕሊ ንፈሪ
ዘይነፍሩ ክትረኽቢ ውረዲ ናብ ምድሪ
ዓሳታት ክሰምዑ ውረዲ ናብ ባሕሪ
ክምለስ ምዃኑ ኤርትራዊ ክብሪ
ከም ቀደምኪ’ሞ ኣውሊዕ ጹሪ
ካብ ባርነት ዘናግፍ ዓወት ኣበስሪ
ድሒንኩም በልዮም ብኣዋጅ ንገሪ።
መንእሰያት ሃገረይ ኣንቱም ግፉዓት
ካብ ህግደፍ ዘምለጥኩም ውጻእ መዓት
ምልኪ እተጸዓነኩም ከም መንዳዓትሕጂ‘ዩ ኣንጻር ምልኪ እትቃለሱሉ ሰዓት
ክብርና ክምለስ ንግጠሞ ብትብዓት
ህዝብና ክጭብጥ ናይ ስልጣኑ ለዓት።
ንዑ ቅረቡና ኢድ ንኢድ ንተሓሓዝ
መጥፍኢ ህዝብና ተንኮል ከይመሃዝ
ብሕሉፍ ሽግራትና ገዲፍና ምትካዝ
ብሓደ ድምጺ ንህግደፍ ምውጋዝ
ይበልጽ ካብ ኣፍካን ኢድካን ምሓዝ።
ደቂ ኣንስትዮ ናይ ህዝብና ፍርቂ ማእገር
ብጽንዓት ተቓሊስካ ኢዩ ሽግራት ዝስገር
ህዝብና ከይጠፍአ ከይበረሰት ሃገር
ንድሕነት ህዝብና ሓደ ንኹን ንሕበር።
መንእሰይ እናጥፍአ ሃገር እናበረሰት
መግዛእቲ ባዕዳውያን ከይተመልሰት
መንቀሊ ቃልስና ብተንኮል ከይፈረሰት
መሰል ኤርትራዊ ጨሪሳ ከይተጋህሰት።
ንዑ ኢደይ ኢድካ ኢልና ንምልኪ ንስጎጎ
ህዝብና ብሰላም ክበልዕ ናይ ጻማኡ ጎጎ
ኤርትራና ሰላም ክሰፍና ውጹዕ ዝብህጎ
ካብ እንግድዓ ህዝብና ክወርድ ህግደፍ ኣደጎ።
ሰላምን ራህዋን ንህዝብና
ውድቀት ንህግደፍን ኮራኹሩን !!!

 Leave a Reply

(required)

(required)


8 + = 11

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>

   

The Party

EPDP worldwide is a democratic political party built on grass roots support and the work of Eritrean activists & volunteers. We stand for Democracy, Freedom, Human Rights... We want a constitutional Eritrea where all its citizens are protected under the constitutional rule of of the law of the land....

Get Active

Your country needs you.

Dictator Isaias Afewerki Must Go!!! Demonstration


© 2012 My Blog ©2012 mahta.net Suffusion theme by Sayontan Sinha