ተበግሶ ባይቶና ይበል! ጅማሮ
ብ.ኣበባ ኣብርሃ፡ ቶሮንቶ ካናዳ (06/02/2012)
ይኣክል ዘረባ ንጀምር ተበግሶ
ንስራሕ! ድኣንበር የለን ንዕገሶ
ተበግሶ ባይቶና ይበል ጅማሮ
ኣዋህሊልኩም ምጹ ዘለኩም ተመክሮ፣
ኣዋርሕ ሓሊፉ ኩሉ ከነጻፍፍ
ዘቃልል ድኣንበር ከይርከብ ዝጽፍጽፍ
ሓደራኹም ህዝበይ፡ ዝጎሓፍ ክንጉሑፍ
ጻዕሪ ንጀምሮ ዘይምሕር ዘይንሕፍ፡
ንቐፍ ተነቐፍ ዘሎካ ተወከፍ
ዓቕምኻ ኣወፊ ዘይብልካ ኣይትሰከፍ
ምስ ውጹዓት ንኹን ዝድገፍ ክንድግፍ
ብሓሳረ-መከራ ህዝብና ካብ ዝረግፍ፡
ኣሓትን የሕዋትን ሓንሳብ ንሰማማዕ
እዋኑ ኣየፍቅድን ንኽንገማማዕ
ንርኣዮ ህዝብና ኣብ ምንታይ ወዲቑ
ንማሕረዲ ሕሱም ዛሕዛሕ ኢሎም ደቁ፡መሰልና ክሕሎ ክብርና ከይድፈር
ክቡር መንነትና ክሕሎ ክኽበር
ንዑ ንሰማማዕ የሕዋት ንሕበር
ክንሰግሮ ኣሎና መድረኽ ናይ ደንበርበር፡
መንእሰይ ክፈልጥ’ቲ ጥቕሙ
ፈጺሙ ክርሕቕ ካብቶም ዘሕምሙ
ዝሕሾ ክመርጽ ድላዩ ገምጊሙ
ንዕኡ ዘድልዮ ፍትሒ ኢዩ ስሙ፡
እታ ድርብ ዝወጽዓኣ ጓል ኣንስተይቲ
ከምህዝባ ኣብ ባይቶ ክትመክር ክትዝቲ
ነቲ ዝተቃለሰትሉ ሓንጊጣ ብረታ
ክረጋገጽ ኣለዎ ግድን ማዕርነታ፡
ንሃገራዊ ድሕነት፣ ሓድነት ህዝቢ
ንሃናጺ ልዝብ፣ ዋዕላ ንህቢ
ቁምነገሩ መሊሱ ክዓቢ
ሓደራኻ ህዝበይ ልቢ ነዕቢ፡
ሰላም ግበር፣ ኤርትራዊ ዜጋ
ፍትሒ እመን፣ ክትድሕን ብኣጋ
ሃገርን ህዝቢን፣ ንምድሓን ተበገስ
ህዝብኻ እንዳበረሰ፣ ስቕኢልካ ኣይትልመስ።
Feb 152012
Download this page in PDF format





