nayzgi-kiflu

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሬሳ ናይቲ ብትእዛዙን ኣብ ክንድኡን ሓያለ ንጹሃት ኤርትራውያን ከም ዘጋፍዐ ዝንገረሉ፡ ብተኣማንነት ክሳብ ብደረጃ ሚኒስተርነትን ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ጸጥታን ዘገልገሎ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዝዓረፈ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ዛጊት ናብ ኤርትራ ምእታው ከልኪሉዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

በዚ ምኽንያት፡ እታ ካብ ዝዓረፈሉ ሰዓት ኣትሒዛ ሬሳኡ ምሕላው ከፊኡዋ ዘሎ ብዓልቲ ቤቱን ስድራቤትን ኣብ ጭንቀትን ምርባጽን ወዲቖም ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ትጽቢትን ምርባጽን ስድራቤት ምስ በዝሐ፡ በቲ ኩነታት ዝተሻቐላ ኣዴታት፡ ንኣምባሳደር ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ‘ኳ በቲ ጉዳይ እንተሓተታኦ፡ መልእኽቲ ናብ ኤርትራ ከምዘመሓላለፈ ካብ ምንጋር ሓሊፉ፡ ኣውንታዊ መልሲ ከምዘይሃበን ‘ውን እቶም ምንጭታት የመልክቱ።

እቲ ዝገርም፡ እቲ ዋላ ናይ ኣዝዮም ታሕተዎት ሓለፍቲ ሞት ዘውሪ፡ መራኸቢ ብዙሃን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሞት ናይዝጊ ክፍሉ ምስ በጽሐ ጥርቅም ኢሉ ኣጽቂጡ ምህላዉ እዩ። እዚ ድማ፡ ኮነ ኢልካ ንሞት ናይዝጊ ካብ ህዝቢ ሓቢእካን ኣረሳሲዕካን ንምሕላፍ ብኢሳይያስ ዝተገብረ ሜላ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ይእምቱ።


ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ሕግን መርመራን ስለዘየልቦ፡ ናይዝጊ እዚን እትን ገበናት ገይሩ ኢልና ክንዝርዝሮ እቲ ኩነታት ዘየፍቅድ ‘ኳ እንተኾነ፡ ኩሉ እቲ ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ገይሩዎ ተባሂሉ ዝምረረሉን ዝሕመየሉን ግፍዕታትን ገበናትን፡ ብትእዛዝ ኢሳይያስ ወይ ድማ ኢሳይያስ ከምዝሕጎሰሉ ተገንዚቡ ዝገበሮ ምዃኑ ፍሉጥ ክንሱ፡ ኣብ እዋን ሞቱ ኢሳይያስ ከርሕቖን ንሞቱ ኣረሳሲዑዋ ክሓልፍ ምፍታንኑን ፖለቲካዊ ፋይዳ ዘይብሉ ድኹም ‘ሽጣራ’ ከምዝኾነ  ተዓዘብቲ የረድኡ።

ከም ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ውልቀመለኽቲ፡ ካብ ስልጣኖም ዝቐረብ ዓርክን ዘመድን ከምዘይብሎም ብምምልካት ድማ፡ ንውልቀመለኽቲ እናገልገልካ ምማት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ጸረ-ፍትሓውነቱ: ‘ሞት ከልቢ’ ምዃኑ፡ እቶም ገና መጋበርያ ኢሳይያስ ኮይኖም ህዝቢ ጭፍጭፉን ሃገር ዘዕንዉን ዘለዉ ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ካብዚ ናይ ናይዝጊ ክፍሉ ጭቡጥ ኣብነት ደጊሞም ክመሃሩ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።

 Leave a Reply

(required)

(required)


3 + 8 =

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>

   

The Party

EPDP worldwide is a democratic political party built on grass roots support and the work of Eritrean activists & volunteers. We stand for Democracy, Freedom, Human Rights... We want a constitutional Eritrea where all its citizens are protected under the constitutional rule of of the law of the land....

Get Active

Your country needs you.

Dictator Isaias Afewerki Must Go!!! Demonstration


© 2012 My Blog ©2012 mahta.net Suffusion theme by Sayontan Sinha