ፍልጥቲ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰል ኤልሳ ጭሩምን ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነን፡ ንኡስ-ኮሚተ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰል ፈደራላዊ ባይቶ ካናዳ ብዘቕረበትሎም ዕድመ መሰረት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ቃል ሂቦም። ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ዝወርዶም ኣስካሕካሒ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ መደበር ዑቕበኛታት ዘጋጥሞም ብድሆታት ከምኡ ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ካናዳውያን ዝፍጸም በደላት፡ ሓደ ብሓደ ብምዝርዛር ነታ ኮሚተ ብ14 ለካቲት ኣረዲኦም።
ኤልሳ ጭሩም ኣብቲ ዘቕረበቶ ዝርዝራዊ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዶብ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እናዓረገ ከምዝኸደ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንሃገራዊ ጸጥታ ከም መመኽነይታ እናተጠቕመ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝግህስ፣ ነጻ ፍርዳዊ ኣካል ከምዘየለ፣ ማሕበር ወይ ፖለቲካዊ ሰልፊ ምቛም ከምዘይፍቀድ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ወይ ካብ ሸውዓተ ሰብ ንላዕሊ ምእካብ እጉድ ምዃኑ፣ ሰብ ንዝደለዮ እምነት ሃይማኖት ክስዕብ ከምዘይፍቀደሉ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዘይተወሰነ ግዜ ተዘርጊሑ ነጻ ጉልበት መንእሰያት ኣብ ዕደና ወርቅን ካልእን ብቀጻሊ ከምዝመዝ፣ ንወለዲ ውላድኩም ሃዲሙ ብዝብል ምስምስ $50 ሽሕ ናቕፋ ከምዝኸፍሉ ከምዝግበር ወይ ከምዝእሰሩ፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ከምዘለዉ፣ ልዕሊ 300 ቤት ማእሰርቲ ኣብታ ሃገር ከምዘሎ፣ እታ እንኮ ዩኒቨርስቲ ከምዝተዓጽወት፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት መዓልታዊ ካብ ሃገር ከምዝሃድሙ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ግብጺን ካልእ ሃገራትን ዘስካሕክሕ ሽግር ከምዘሕልፉን ቆላሕታ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከምዝተነፍጎምን ወዘተ ሓደ ብሓደ ብምቕራብ መንግስቲ ካናዳ ዝከኣሎ ክገብር 11 ነጥብታት ዝሓዘለ ምሕጽንታ ኣቕሪባ።
ኣሮን ብርሃነ ብወገኑ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ናጽነት ፕረስ ከምዘየለ፣ ኣሰናዳእቲ ናይተን ኣብ 2001 ዝተዓጽዋ ጋዜጣታት ኣብ ማእሰርቲ ብዘይፍርዲ ይበልዩ ከምዘለዉ፡ ድሮ ሓሙሽተ ካብኦም ከምዝሞቱ፣ ኣስታት 30 ጋዜጠኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ፣ 11 ካብ ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ነበር ከምዝተኣስሩ፡ 6 ካብኦም ከምዝሞቱ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ካናዳ ዝፍጽሞ በደላት ሓደ ብሓደ ዘርዚሩ። ቆንስል ኤርትራ ንኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ምፍርራሕ፡ ምብስባስን ምጉብዕባዕን ከምዝነጥፍ፣ ኤርትራውያን ካናዳውያን 2% ብግዴታ ክኸፍሉ ከምዝግደዱ፣ ገንዘብ ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ወይ ኣኼባ ክሳተፉ ከምዝእዘዙ፣ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፉ፡ ፌርምኦም ኣብዘይኣምንሉ ጉዳይ ከንብሩ ከምዝቕሰቡ፣ ብድሕሪ 1998 ካብ ሃገር ዝወጽኡ ዜጋታት ዝፈጸምዎ በደል ዘይብሎም ክነሶም፡ ገበን ፈጺመ’የ ኢሎም ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልኡ ከምዝግደዱ፣ ቆንስል ኤርትራ ንማሕበር ኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ኦንታርይ (ማ.ኤ.ካ.ኦ.)፡ ኮምኒቲ ኤርትራውያን ኣብ ዊኒፐግ ኢንኮርፐረሽንን ካልኦትን እናተጠቕመ ኣብ ዓመት ካብ $10 ክሳብ $20 ሚልዮን ዶላር ብግዴታን ካልእ ሸርሕታትን ገንዘብ ከምዝእክብ ነጥቢ ብነጥቢ ዘርዚሩ ብምቕራብ፡ መንግስቲ ካናዳ ዕቱብ ኣቓልቦ ሂቡ ክሰርሓሉ ዝጽውዕ 9 ነጥብታት ዝሓቖፈ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ብድሕሪ’ዚ ኣባላት’ታ ኮሚተ ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝተሰምዖም ከቢድ ቅሬታ ብምግላጽ ሕቶታት ኣቕሪቦም። ተራ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ካናዳ፣ ንካናዳውያን ዜጋታት ኣገዲድካ ዝግበር ምኽፋል ግብሪ፣ ናይ ካናዳ ዕደና ኩባንያ ነጻ ጉልበት ኤርትራውያን ትምዝምዝ እንተላ፣ ስለምንታይ እዚ ዘሕዝን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝግባእ ቆላሕታ ዘይረኸበ ወዘተ ዝብል ብዙሕ ሕቶታት ኣቕሪቦም። ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩምን ኣቶ ኣሮን ብርሃነን ድማ ንኩሉ ዝቐረበ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልሲ ብምሃብ ንምርዳእ ክሕግዞም ዝኽእል ተወሳኺ ሰነዳት ኣረኪቦሞም።
ኣብቲ ዝቐጸለ መዓልቲ ምስ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ካናዳ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ክቱር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ቆንስል ኤርትራ ደረት ሓላፍነቱ ሰጊሩ ንኤርትራውያን ካናዳውያን ዝገብሮ ምብስባስን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝእክቦ ገንዘብ ብምስትብሃል፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፈጥሮ ዘይምርግጋእ ብምስትውዓል፣ ካናዳ ነዚ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ውሳነ 1907 ከምኡ ውን 2023 ብዝቐልጠፈ ከተተግብሮ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ነቲ ምሕጽንታ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ከመያየጥሉ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።
ብድሕሪ’ዚ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ምስ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናልን ማይኒኒ ዎች ካናዳን ተራኺባ ሓጺር ጸብጻብ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ከምዘቕረበት ይፍለጥ።
Download this page in PDF format






