
ብ24 ግንቦት 1993 ብመስርሕ ዕዉት ረፈንዶም ኤሪትራ ሃገርና አህግራዊ ተፈላጥነት ዝረከበት ልኡላዊት ሃገር ክትከዉን ትብቃዕ ደአንበር በትሪ ስልጣን ዝጨበጠ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር (ናይ ሕጂ ህግደፍ) ፖለቲካዉን ደሞክራስያዉን ሰብአዉን መሰል ህዝቢ ኤርትራ ጨፍሊቑ በሓቲ አረአእይኡ ስለ ዘንገሰ ህዝቢ ኤርትራ አብ ሓዲሽ ናይ ቃልስን ተቓዉሞን መድረክ ንክአቱ ተገዲዱ ከም ዝርከብ ንኩሉ ቡሩህ እዩ። እኖሆ ድማ ማዕበል ዉጹዕ [...]



















