ሰ.ዲ.ህ.ኤ

ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
መእተዊ
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርብዓታት ጀሚሩ ንኣስታት ሓምሳ ዓመታት ከይተሓለለ ብዘካየዶ ሰላማውን ብረታውን ሓርነታዊ ተጋድሎ፡ ሃገራዊ ሉዕላውነት ክጭብጥ በቒዑ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ነቲ ድሕሪ ምርግግጽ ልዑላውነት ሃገር ዝነበረ ሓዲሽ ዕማማት ንምስልሳል ዘኽእሎ ብቑዕ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ውደባ ስለዘይጸንሖ፡ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ኣብ ኢድ መላኺ ጕጅለ ወደቐ። ድሕሪ’ዚ፡ ንዝጸንሐ ተስፋታት ዘጸልምት ንምዕባለ ሃገር ዝሕምስ፡ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ብምግሃዱን ኣብ ፍሉይ ቃልሲ ክኣቱ ተገደደ። ንመሰረታዊ ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላቱ ንምርግጋጽ፡ ነቲ ብዘይ ቅዋም (ሕገ-መንግስቲ) ዝገዝእ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ንምቅዋም ብግሉጽን ብስውርን ኣገባባት ክንቀሳቐስ ይርከብ። ብኣንጻር’ዚ፡ እቲ ጨካን ምልካዊ ስርዓት፡ ንተቓውሞ ህዝብና ንምዕጻፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይፍጽም ኣሎ። እዚ ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምቁጽጻር ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታት ኣሉታዊ ስምብራት ይገድፍ’ኳ እንተሃለወ፣ ነቲ ኣንጻር ምልኪ ዝጕህር ዘሎ ቃልሲታት ክዓግቶ ግን፡ ኣይክእልን ኢዩ። ህዝብና፡ ንዝወርዶ ዘሎ ግፍዕታት በዲሁ፡ ካብ ዕለት ንዕለት ተቓውሞኡ ክብ እናበለን ሓደ ክፋል ካብ መንእሰያትና ከኣ ናብ ስደት እናምርሐን ይኸይድ ኣሎ።
እዚ ዕብየቱ እናኣረጋገጸ ዝኸይድ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ቃልስታት ግን፡ ሕጂ፡ ኣብ ሓደ ንጹር ዝዀነ ዲሞክራስያዊ መስመር ክውደብ እንተዘይክኢሉ፣ ንህልውን መጻእን ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘተኣማምን ዋሕስ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ተመሳሳሊ ኣረኣእያን መትከላትን ዘለዎም ዲሞክራስያውያን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ባእታታትን ንንኡስ ፍልልያቶም ሰጊሮም፡ ሰፊሕ ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክምስርቱ ይግባእ።ነዚ ህልዊ ስርዓት ብምቕያር ጥራሕ፡ ኵሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሽግራት ሃገርና ክፍታሕ ስለዘይክእል፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስግር’ቲ ዘካይዶ ዘሎ ጸረ ምልካዊ ቃልሲ ኣርሒቑ ዝጥምት ምድላው ክገብር ይግብኦ። ንሃገርና፡ ካብ’ዚ ተሸሚማቶ ዘላ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ንምድሓን፡ ብዘይካ’ቲ ፍቱን ብዝሐ-ሰልፋዊ ስርዓት ዲሞክራሲ ካልእ ኣማራጺ የለን። ህዝቢ ጥዑይ ፖለቲካዊ ኣየር ንኸስተንፍስ፡ ተወዳደርቲ ራእይታትን ተወዳደርቲ መራሕትን ዘቕርባ ኣማረጽቲ ሰልፍታት ክህልዋ የድልያኦ።
- ኣብ ዝሓለፈ ሓርነታዊ ቃልስና: ውሽጣዊ ሽግራት ዲሞክራስያውያን ሓይልታትን ኣካላትን ብዝግባእ ክእለ ብዘይምኽኣሉ፡ ጌና እቲ ዘይምትእምማን የንጸላልው ምህላው ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። በቲ ካልእ ገጽ ከኣ፡ ዘለናዮ ፖለቲካዊ መድረኽ ብዓይነቱን ትሕዝቶኡን ፍልይ ዝበለ ብምዃኑ፡ ነቲ ከም ባህሊ ተወሲዱ ዝጸንሐ ዘይምትእምማን ንኽንስዕሮ ዝሕግዙ ዕድላት ተኸሲቶም ምህላዎም ንርኢ። ኣብ ዘይራኸብ ዝመስል ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ፍልልይ ዝጸንሑ ሓይልታት ተራኺቦም ብሓባር ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝቃለስሉ ኵነታት ተኸሲቱ ምህላው፡ እንምስርቶ ዘሎና ሓድሽ ሰልፊ ሓደ ጭቡጥ ኣብነት’ዩ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ ሃዋህውን ዕድላትን፡ ድልዱል ዘተኣማምን ባይታ ምምድማድ ይከኣል እዩ።
- ህልዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕን፡ መተካኣታኡ ምንጪ ስልጣኑ ህዝባዊ ዝኾነ፡ ኣብዝሓ ሰልፋዊ፡ ቅውማዊ፡ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመሰረቱ ዝጥቀመሉ ስትራተጅያዊ ኣገባብ ቃልሲ ሰላማውን ዲሞክራስያውን እዩ። ነዚ ስትራተጂ’ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ወይ ንምዕዋት ከኣ፡ ርእሰ-ምክልኻል ዝሰረቱ ንጥፈታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምክያድ መሰሉ ምዃኑ ይኣምን። መምስ ኵነታቱ ዝኸይድ ኣድላዪ ስልታዊ ምትዕጽጻፍ ድማ ክጥቀም እዩ።
- ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝጸንሐን ሓድሽን ወለዶታት ዘራኽብ ድልድል ክኸውን ይግባእ። ንሓድሽ ወለዶና ዝኸውን ጥጡሕ ባይታ ብዘተኣማምን መንገዲ ክፍጠር ዝኽእል ከኣ፡ እቶም ኣብዚ ደረጃ ንኸብጽሑና እተቓለሱን ጌና ዝቃለሱ ዘለዉን ምኩራት ኤርትራውያን ዲሞክራስያውያን መተካእታኦም ንምምልማል ግዲኦም ክጻወቱ ከለዉ እዩ። እቲ ዝኸበረ ዕማም ናይ’ቲ ኣውራሲ ወለዶ ድማ፡ ተካኢ ዝኸውን ወለዶ ምምልማል እዩ። ከምዚ ዝመስል ዕማም ብዓወት ንምፍጻም ብቐዳምነት ንነብስኻ ንለውጢ ምድላው ይሓትት። ካብቶም ንቕድሚት ዘየሰጉሙ ዓንቀፍቲ ሓሳባትን እምነታትን ተገላጊልካ፡ ንባዕልኻ መንፈስካ ኣሐዲስካ፡ ንሓድሽ ወለዶ ብሓድሽ መንፈስ ምዅስኳስ ድልው ምዃን የድሊ።
- ንህሉው ቃልስታት ዝሰርዕ ንመጻኢ መኽሰብና ድማ ዋሕስ ዝኸውን ሰልፊ ንምቛም ኣብ እንቃለሰሉ ዘለና እዋን፡ ንኤርትራዊ ማሕበረ-ውድባዊ ህይወት ብዝግባእ ተገንዚብና፡ ንሓድነትን ፍልልይን ህዝቢ ኤርትራ ዘኽብርን፡ ብዝግባእ ዘመሓድርን ዲሞክራስያዊ ፖለቲካውን ውድባውን መደብ ዕዮ ከነማዕብል የድልየና። ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝብትን ትሕተ-ሃገራዊ ፖለቲካዊ ውዲታት ተጸሚዱ፤ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ብመሪር ቃልሲ ዝተጠርየ ምትእምማን ባሕጒጉ፡ ምጥርጣርን ፍርህን ንምንጋስ ብኹሉ ዝከኣሎ ዓቕምታት ክጓየ ይርአ ኣሎ። ሰልፍና ከኣ ብኣንጻሩ፡ ንዝዀነ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ዝሓለፈ ፖለቲካዊ ጸግዑ፡ ሃይማኖቱን ኤትኒካዊ መበቆሉን ብዘየገድስ መርሓባ ኢሉ ዝቕበል ኣሳታፍን ንሓድነት ህዝቢ ዝቃለስን ሰልፊ ክኸውን ኢዩ።
- ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣርኣእያታት ከም ዘሎ ይግንዘብን ይቕበልን። እንተዀነ ግን፡ ኣብ ሰላም፡ ልዑላውነት፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ምዕቃብ ዘሎና ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ኣብ መንጐ’ቲ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት፡ ናይ ምርድዳእ ድልድል ክህሉን ምጽውዋር ክሰፍንን፤ ኣሳታፊ ዝዀነ ፖለቲካዊ ስርዓት ክምስረትን ኣድላዪ ምዃኑ ይኣምን።
- ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንልዕሊ 40 ዓመታት ብኵናትን ዕግርግርን ክናወጽ፣ ብድኽነትን ጥሜትን ክሳቐ ጸኒሑን ኣሎን። ኤርትራ፡ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ሓርነታዊ ኵናት ኣካይዳ። ድሕሪ ናጽነታ ምጕንጻፋ ድማ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ወተሃደራዊ ምርጻማት ኣትያ። እቲ ካብ 1998-2000 ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ “ዶባዊ ኲናት” ብፍላይ፡ ዘስዓበላ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ሰብኣውን ማህሰይቲ ክግመት ካብ ዝከኣል ንላዕሊ ኢዩ። ከም ውጽኢቱ፡ እቲ ስርዓት ካብ ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ክንጸልን፡ ብውሽጢ ውን ተቓውሞ ከጋጥሞን ተራእዩ። ከም ተጻይ መልሲ ናይ’ዚ ኵነታት እዚ ድማ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ግፍዕታት ንጸጥታን ርግኣትን ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ክዘርግን ይርከብ።
ነዚ እቲ ስርዓት ብፍላጥ ዘሳውሮ ዘሎ ናይ ዞናና ሽግራትን ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ጽንኩርን ዝዀነ ፖለቲካዊ ኩነታት ዓለምናን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ምስ ጐረባብቲ ኣህዛብ ተኸባቢርናን እናተሓጋገዝናን ንቕድሚት ክንስጉም፡ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ክንረዳዳእን ኣብ ኣወንታዊ ሕድሕድ ምጽልላው ክንኣቱን ዘኽእለና፡ ቅኑዕ ስትራተጅን ተዓጻጻፊ ሜላታትን ክንቅይስ ይግብኣና። ነዚ ዕላማታት’ዚ ክውን ንምግባር ከኣ፡ ሰለስቲኡ ሰልፍታት ጸናቢርና ሓድሽ ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምስርት ኣሎና።
ቀዳማይ ምዕራፍ፡-
- ስም፡- ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ። ብኣሕጽሮተ-ቃል ሰደህኤ ተባሂሉ ክፍለጥ ይከኣል
ካልኣይ ምዕራፍ
- ኣርማ ሰልፊ፡- ኣርማ ሰልፊ ክልተ ዝተጣመራ ኣእዳው እየን። ትርጉም ኣርማ ድማ ምልክት ሓድነት እዩ።
ሳልሳይ ምዕራፍ፡-
- ዕላማ፡-
ዕላማ ሰልፍና ሓድነት ህዝባን መሬታን ዝዓቀበት፡ ሰላምን ፍትሕን ዝሰፈና፡ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ቅዋም እትመሓደርን ንኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን እተኽብርን ብልጽግቲ ኤርትራ ምህናጽ ኢዩ።
ራብዓይ ምዕራፍ፡-
- ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ:-
ካብ ፖለቲካዊ ዕላማና ብምንቃል፡ ሰልፍና ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራን ኣብኣ ዝነብሩ ወጻእተኛታትን ዘኽብርን ዝጣበቕን ኰይኑ፣ ኣብ ምክፍፋል ፖለቲካዊ ስልጣንን ሃገራዊ ሃብትን ዝተሰረተ፡ ብዲሞክራስያዊ ቅዋም ዝግዛእ፡ ብድልየትን ምርጫን ህዝቢ ተመስሪቱን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነን ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ምትካል ኢዩ።
4.1 ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምርግጋጽ:-
4.1.1 ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ጸረ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ህዝብና ብምዃኑ፡ ንሱ ከየልገሰ፣ ዕላማ ሰልፍና ይኹን፡ ባህግታት ህዝብና ክረጋገጽ ስለዘይክእል፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ቀንዲ ቃልስና፡ ንምልካዊ ስርዓት ብምውዳቕ፡ ኣብ ቦትኡ ንዅሉ መሰላት ህዝብና ዘኽብር ብዝሐ ሰልፋዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል፤
4.1.2 መሰል ምውዳብ፡ ምዝራብ፡ ምጽሓፍ፡ ከምኡውን መሰል ሰላማዊ ተቓውሞ ምኽባር፤
4.1.3 ነጻነት እምነት ምኽባርን፡ ኣብ እምነት እተመርኮሰ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎን ጽቕጠትን ምውጋድን፤
4.1.4 ማዕርነት ኵሎም ዜጋታት ንምርግጋጽ ምቅላስ፤ ኣውራጃዊ፡ ብሄራውን፡ ዓሌታውን፡ ኣድልዎን ጽቕጠትን ምውጋድ፤
4.1.5 መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብሕጊ ምርግጋጽ፡ ንዅሉ ዓይነት ኣድልዎን ጽቕጠትን ደቂ ኣንስትዮ ምውጋድ፤
4.1.6 መሰል ህጻናት ምኽባርን፡ ንህጻናት ፍሉይ ሕጋውን ማሕበራውን ሓልዮት ምግባር፤
4.1.7 ንሰብኣዊ መሰላት ዝከላኸላ ሲቪላዊ ማሕበራትን ሞያዊ ትካላትን ክቖማን ስርሐን ብምሉእ ናጽነት ከካይዳ ምትብባዕን፤
4.1.8 መሰል እሱራት ምኽባርን፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝዀነ ይኹን ስነ-ኣእሙራውን ኣካላውን ዓዛብ ወይ ስቅያት (torture) ከይፍጸም ምክልኻል፤
4.1.9 ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቅዋም ክውሰን፤ ግዜኡ ድሩት ኰይኑ ንሲቪላዊ ኣገልግሎት ቀዳምነት ዝህብ ክኸውን ምቅላስ፤
4.1.10 መሰል ምቛም ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ምርግጋጽ፤
4.1.11 ካብ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ማሕበራትን ነጻ ዝዀኑ ዜጋታት ኣብ ስልጣን ናይ ምውድዳር መሰሎም ሕልዊ ክኸውን ምቅላስ፤
4.1.12 ውልቀ-ሰብ ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ማእከላይ ቦታ ይሕዝ፡ ግብራዊ ንኽከውን ድማ ምቅላስ፤
4.1.13 ብውሳኔ ህዝቢ ዝጸደቐ ቅዋም ንክመሓየሽ ወይ ክፈርስ ወይ ክትካእ ብህዝቢ ጥራይ ክውሰን
4.1.14 መሰል ምውናን ንብረት ዜጋታት ምኽባርን ምክልኻልን
4.2 ኣብ ምክፍፋል ስልጣን እተመርኮሰ መንግስቲ ንምቛም ምቅላስ፡-
4.2.1 ብነጻ ተሳትፎን ምርጫን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ዝጸድቕ ቅዋም (ሕገ-መንግስቲ) ክህሉ ምቅላስ፤
4.2.2 ስልጣን፡ ኣብ መንጐ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ዝተኸፋፈለ ክኸውን ንኣምን፤
4.2.3 ማእከላይ መንግስቲ ንዅሉ ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ ዝውክል ክኸውን ምጽዓር፤
4.2.4 መንግስታዊ ስልጣን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ በብደረጅኡ ተኸፊሉ፡ ህዝቢ ብቐጥታ ኣብ ምምሕዳር ነብሱ ተሳታፊ ክኽውን ዘኽእሎ ብቅዋም (ብሕገ-መንግስቲ) እተረጋገጸ ዘይምእኩል ቅርጺ ምምሕዳር ክህሉ ምቅላስ። ታሪኻዊ ምትእስሳር ናይ ህዝብና ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ብህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ተጸኒዑ ክሳብ ዝቐርብ፡ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ነቲ ታሪኻዊ ኣቋውማ ኣውራጃዊ ምምሕዳራት ሃገርና ዝሕሉን ዘኽብርን ቅርጺ ክሕዝ ምግባርን፤
4.2.5 ኣብ ስልጣን ንምምጻእ ይኹን ካብ ስልጣን ንምውራድ፡ ቅዋም (ሕገ-መንግስቲ) ብዘፍቅዶ መሰረት፡ ብዲሞኪራስያዊ ምርጫ ህዝብን ብሕጋዊ ቀጥዒ ምርጫን ክኸውን ምቅላስ፤
4.2.6 ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን ሕድሕዳዊ ምትእትትው ዘየፍቅድ መንግስቲ ምቛም፤
4.2.7 ትግርኛን ዓረብኛን ዕላውያን ቋንቋታት ክዀና፡ ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራ ውን፡ ክዓብያን ክምዕብላን ዘኽእለን መሰል ከምዝረኽባ ምግባር።
4.3 ንሕገ-መንግስቲ ዝምእዘዝን ዘገልግልን ሰራዊት ምቛም
4.3.1 ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቅዋም ኤርትራ ኰይኑ ዝሰርሕ፡ ፍሉይ ሰልፋዊ ሻራ ዘይብሉ፡ ንረብሓታት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል፡ ንልዕUላውነት ሃገርን ንቅዋምን ብህዝቢ ንዝተመርጸ መንግስትን ዝከላኸል ሃገራዊ ሰራዊት ክኸውን፤
4.3.2 ሰራዊት ኤርትራ ንማሕበራዊ ምልኣት ኤርትራ ዘንጸባርቕ ክኸውን፤
4.3.3 ውትህድርና ሞያ ስለዝዀነ፡ ብድልየትን ምርጫን ዜጋታት ዝውሰን ከምዝኸውን ምግባር
4.3.4 ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቅዋም ይውሰን፤
4.3.5 ውልቀ-ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፡ ክመርጹ መሰል ኣለዎም። ኪምረጹን ወይ ኣባላት ሰልፍታት ክዀኑ ግን መሰል የብሎምን፤
4.3.6 ኣዋጅ ውግእ ብፓርላማ ኤርትራ ዝውሰን ምዃኑ ብሕጊ ምርግጋጽ።
ሓሙሻይ ምዕራፍ
- ቍጠባ ፡-
ሃገርና፡ ብደቛሲ ፖሊሲታት ገዛእትን ብነዊሕ ሓርነታዊ ውግእን ዝወረዳ ቍጠባዊ ኣደራዕ ከይኣኽላ፡ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተወሲኹ፡ ኣብ ኣዝዩ ትሑት ቍጠባዊ ሃለዋት ትርከብ። ነዚ ኵነታት’ዚ ንምቕያር ሰልፍና ድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት፡ ነቶም ፍሉይ ጉድኣት ወሪድዎም ዘለዉ ክፍልታት ህዝብና ብህጹጽ ምዕንጋልን ዳግመ ህንጻ ሃገር ምክያድን ቀዳማይ ቦታ ከህቦ እዩ።
ዕላማና ነቲ ወዲቑ ዘሎ ቍጠባዊ ኩነታት ሃገርና ክብ ምባል፣ ነቲ ዘይተመጣጠነ ናብራ ህዝብና ምምዕርራይ፣ ኣብ ዘተኣማምን ቍጠባዊ ባይታ እተሰረተት ብልጽግቲ ሃገር ንምህናጽ ምቅላስ እዩ። ኣብዚ ዕላማ’ዚ ክብጻሕ ዝከኣል፡ ብሓደ ወገን ነቲ ኣብ ድኽነትን ስቓይን ዝርከብ ዝበዝሐ ክፍሊ ሕብረተሰብና፡ ኣፍራዪ ዓቕምታቱ ክብ ኢሉ ተጠቃሚ ጻዕሩን ድኻሙን ዝዀነሉ ኵነታት ምፍጣርን ምጥጣሕን፤ ከምኡ ውን፡ ነቲ ዘይምዕሩይ ኵነታት መነባብሮ ህዝብና ምምዕርራይን፡ ነቶም ህሱያት ወገናት ፍሉይ ትኹረት ዝህብን መደባት ምሕንጻጽን ኢዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ቅኑዕ ቍጠባዊ ፖሊሲ ብምኽታልን ንሃገራውያንን ወጻእተኛታትን ኣውፈርቲ ብምትብባዕን፤ ኣብ ዕብየት ቍጠባ ሃገርና ግዴኦም ንኽጻወቱ ዕድል ምኽፋት ኢዩ። ምስዚ ተተሓሒዙ’ውን ኣብ ዞናና ይኹን ኣብ ዓለምና ብኣወንታዊ ኣገባብ ከዋስእ ዘኽእል ንግዳዊ ፖሊሲታት ምትላም የድሊ። ነዚ ዕላማታት’ዚ ጋህዲ ንምግባር፡ ውድድርን መሃዝነትን ዘተባብዕ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ዝተሰረተ ቍጠባዊ ፖሊሲ ክንክተል ኢና።
5.1 ቍጠባ ሃገርና ብቀጻልን ፍጡንን ኣገባብ ከምዝምዕብል ምግባር
5.1.1 ቍጠባ ሃገርና ቀጻልን ፍጡንን ዕብየት መታን ከርኢ፡ ንኹሉ ውሽጣዊ ሃገራዊ ዓቕምታት ብዝግባእ ንምንቅስቓሱ ምቅላስ። ኩሎም እቶም ንውሽጣዊ ሃገራዊ ዓቕምታትና ከሕምሱ ዝጸንሑ ምምሕዳራዊ ውሳኔታትን ባህላውን ማሕበራውን ቀይድታትን ከምዘልግሱ ምግባር፤
5.1.2 ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ይኹን ምስ ዓለም፡ ኣብ ናይ ሓባር ንግዳዊ ረብሓ ተመርኲስና ከይንዓቢ ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ቅዋማትን ኣሰራርሓን ብምውጋድ ምቹእ ኩነታት ምፍጣር፤
5.1.3 ንፍጡንን ቀጻልን ቍጠባዊ ምዕባለ ዝዕንቅፉ ድኽመት ትሕተ-ቅርጻ ምምላእን ምምዕባልን። ብፍላይ ከኣ ማይ፡ ሓይሊ ኢለትሪክን(ጸዓት) ዘመናዊ መራኸቢታትን ነቲ እንጽበዮ ደረጃ ምዕባለ ዝመጣጠን ከምዝኸውን ምግባር፤
5.1.4 ዋና መሬት ህዝቢ’ዩ ካብ ዝብል እምነት ብምብጋስ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ኣተሓሕዛ መሬት ንምርግጋጽን፤ ንህልውን ናይ መጻእን ወለዶታት ድሌታት ከምዘንጸባርቕ ንምግባሩን፤ ነዚ ዘሎ ኣዋጅ መሬት ዝትክእ፡ ህዝቢ ዝሳተፎን ሓድሽ ሜላ መሬት ብደቂቕ መጽናዕቲ ምእዋጅን ብህልዊ ስርዓት ዝተወርሰ መሬት ብፍትሓዊ መንገዲ ናብ ዋናታቱ ከም ዝምለስ ምግባርን። ኣብ ልዕሊ ወይ ትሕቲ መሬት ዝግበር ወፍሪ ከኣ፡ ንናብራ እቲ ቦታዊ ህዝቢ ጥቕሚ ዝህብ ክኸውን ይግባእ። መንግስቲ ንስትራተጅያዊ ሃገራዊ መደባት ዘድልዮ መሬት ምስ ቦታዊ ምምሕዳራት ተረዳዲኡ ኣምሳያኡ ዝግባእ ሂቡ ጥቕሚ ነባሮ ብዘረጋግጽ ምፍጻሙ።
5.1.5 ሞያዊ ትምህርቲ ክብ ዝብለሉ ሓጺርን ነዊሕን መደባት ምስራዕ በዚ ኣቢልካ ከኣ ኣፍራይ ዓቕሚ ሰራሕተኛ ህዝቢ ንምምዕባል ምጽዓር፤
5.1.6 ካብ ያታውን (ልማዳውን) ድሑርን ናውቲ ማእቶት ተገላጊሉ፡ ናብ ዘመናዊ ስነ-ኪነታዊ ኣሰራርሓ ንምስግጋር፣ ብባጀት ዝተደገፈ፡ ብስነ-ፍልጠትን ስነ-ኪነትን ዝስነ፡ መሃዝን ቀያስን ናይ መጽናዕቲ ማእከል ምቛም፤
5.1.7 ዝተመዓራረየን ዳይናሚካውን ዝዀነ፡ ንናኣሽቱን ማእከሎትን ከበድትን ኣብያተ-ዕዮ መሰረት ዝገበረ፣ ናይ ሕርሻ-እንዱስትርያዊ ምህርቲ ክምዕብል ምቅላስ። እዚ ድማ ንዅሎም ኣብ ሕርሻ፡ ምርባሕ ከብቲ፡ ምግፋፍ ዓሳን ኣብ ናይ ምስናዕ ሞያን ንዝተዋፈሩን ንነጋዶን ዘጠቓልል ይኸውን፤
5.1.8 ኣብ ከተማታት፡ ንኣሽቱ ሓባራውን ውልቃውን ትካላት፤ ኣብ ገጠራት ከኣ፡
5.1.9 ኮኦፖራቲቫዊ ማሕበራት ክቖማ ምትብባዕን ዘድሊ ሓገዛት ምግባርን፤
5.1.10 ኣብ መንጐ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ዝርከብ ዝምድና፡ ኣብ ኣወንታዊ ሃዋህው ክምስረት ምቅላስ። ደሞዝ ሰራሕተኛታት፡ ነቲ ህሉው ኩነታት ናብራ ዝመጣጠን ክኸውንን፤ ዝተሓተ ደሞዝ ናይ ሰራሕተኛ ብሕጊ ከም ዝውሰን ምግባርን፤
5.1.11 ስእነተ-ስራሕ ንምክልኻል ምቅላስ፤ ናይ ስራሕ ዕድላት ምብዛሕን ንስራሕ ዘተባብዑ ስጕምታት ምውሳድን፤
5.1.12 ንውድድርን መሃዝነትን ዘተባብዕ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ዝተሰረተ ቍጠባዊ ፖሊሲ ምኽታልን፡ ምስ ማሕበራዊ ፍትሒ ብዘሳኒ ኣገባብ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ምግባርን፤
5.1.13 ብሕታዊ ክፋል ንኽዓቢ ኣተባባዒ ሃዋህው ምፍጣር፤
5.1.14 ብሰልፍታት ኮነ ናይ መንግስቲ ኣካላት ዝውነኑ ናይ ንግዲ ትካላት ዘይምፍቃድ
5.2 ኣብ ውሽጢ ኣውራጃታትና ዝርከብ ዘይምዕሩይ ቍጠባዊ ምዕባለ ንምስትኽኻልን ነብሰን ክኢለን ዝመሓደራሉ ብቕዓት ንኽረጋግጻ ምቅላስ
5.2.1 እተን ብምዕባለ ድሒረን ዘለዋ ኣውራጃታት ፍሉይ ትዅረት ከምዝረኽባ ምግባር፤
5.2.2 ነፍስወከፍ ኣውራጃ፡ ባዕላ እተመሓድሮ ነቲ ሓፈሻዊ ኣንፈት ቍጠባዊ (ፖሊሲ ሃገር ዝሰማማዕ ናይ ገዛእ ነብሳ ቍጠባዊ (ምምሕዳር ከተማዕብል ምቅላስ፤
5.2.3 ኣብ መንጐ ኵሉ ጽፍሕታት ቅርጺ መንግስቲ (ኣውራጃ፡ ወረዳ፡ ዓዲ) ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ዝተሰረተ፡ ኵሉ መዳያዊ ዝምድናን ምድግጋፍን ክህሉ ኢዩ።
ሻዱሻይ ምዕራፍ
- ማሕበራዊ
ማሕበራዊ ዕላማ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንፍጡን ምጣነ-ሃብታዊ ዕብየት ዘገልግል፡ ንሞያ ዝያዳ ግምት ዝህብ ዘመናዊ ስርዓተ-ትምህርቲ ምድላውን፤ ንመላእ ሕ/ሰብ ሰፊሕ ኣገልግሎት ዝህብ ጥዕናዊ ትካላት ምህናጽን፤ ነቶም ድኹማትን ውጹዓትን ዘተኣማምን ማሕበራዊ ውሕስና ዝህብ ትካላት ምቛምን፤ ንዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕ/ሰብና ሞያዊ ይኹን ማሕበራዊ ረብሓኦም ኣለልዮም ብንቓባዊ ማሕበራት ክውደቡ ዘተባብዕን፤ ንፍሉይ ሕ/ሰብኣዊ ኣቃውማ ሃገርና ኣብ ግምት ዘእተወ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን፡ ንምትእምማን ዘጐልብትን ማሕበራዊ መደባት ንምዕዋት ምቅላስን ኢዩ።
6.1 ንሞያ ፍሉይ ትኹረት ዝህብ ንዕብየት ምጣነ-ሃብትና ዝድግፍ ዘመናዊ ትምህርቲ ምምዕባል።
6.1.1 ንሓድነትን ምዕባለን ሃገር ዘገልግል፡ ንፍጡን ምጣኔ ሃብታዊ (ቍጠባዊ) ምዕባለ ዝድግፍ ሃገራዊ ስርዓተ-ትምህርቲ ምድላው፤
6.1.2 ሞያዊ ፍልጠት ምስ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ተጣሚሩ ዝኸደሉ መደባት ምስራዕ፤
6.1.3 ትምህርቲ ንህዝቢ ብዘይ ክፍሊት ብሓልዮት መንግስቲ ክወሃብ ምጽዓር፤
6.1.4 ተመሃሮ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ካብ ትምህርቲ ከይቦኽሩ፡ ከም ተደላይነቱ ነገራዊ ደገፍ ረኺቦም ኣብ ከባቢኦም ክመሃሩ፡ ብቑዕ ኣብያተ መጻሕፍቲ ክረኽቡን ምቅላስ፤
6.1.5 ትምህርቲ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ግድነት ክኸውን ምጽዓር፤
6.1.6 ንላዕለዋይ ደረጃን ዩኒቨርሲትን ዘእቱ ነጥቢ ኣህጉራዊ ደረጃ ዝሓለወ ተቐባልነት ዘለዎ ክኽውን፤
6.1.7 ግላዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ክቖማ ምትብባዕ። ብሃገራዊ ስርዓተ-ትምህርቲ ክቕየዳ ዘገድድ ሕጊ ምውጻእ፤
6.1.8 ኣብ ኣውራጃታት ኤርትራ ዝርከብ ፍልልይ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ብምዕባለ እተሃስየ ክፍልታት ዝያዳ እተመዓራረየ ትምህርታዊ ተሳትፎ ንኸረጋግጽ ምትብባዕን ተግባራዊ መደባት ምሕንጻጽን፤
6.1.9 ናይ ትምህርቲ ቋንቋ ኣብ መባእታዊ ደረጃ ዓረብኛን ትግርኛን ኢዩ። ብቋንቋ ናይ ምምሃር ዝብል ሕቶ ኣብ ዝተላዕለሉ ከባቢ፡ ብምርጫ ናይ’ቲ ከባቢ ህዝቢ ይውሰን። ብቃንቋኦም ክመሃሩ ዝመረጹ ከባቢታት፡ ትግርኛን ዓረብኛን ከም ሃገራዊ ቋንቋታት ክመሃርውን ምእማንን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ምጽዓትን። ትግርኛን ዓረብኛን ከይጽቀጣ፡ ዝተረፋ ቛንቋታት ድማ ንኸይዝንጋዓ፡ ንምምዕባለንን ዝኣክል ቅድመ ባይታን ትሕተ ቅርጻን ክዳለወሉ ምጽዓት
6.2 ንመላእ ሕ/ሰብ ኣገልግሎት ዝህብ ጥዕናዊ ትካላት ከም ምምዕባል
6.2.1 ጥዕና ዜጋታት ንምሕላው፡ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ምምዕባል፤
6.2.2 ሕማማት ንምክልኻል ዘኽእል ጠቓሚ ሓበሬታ ንህዝቢ ምዝርጋሕ፤
6.2.3 ንሕሙማት ዝፍውስን ከም ማእከል ጥዕናዊ ሓበሬታ ዘገልግልን ተንቀሳቓሲ ክሊኒካት ምዝውታርን፤ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብኣጋ ምክልኻሎምን፤
6.2.4 ኣብ ኵሉ ከባቢ፡ ምስ መጠን ብዝሒ ህዝብን ዓይነት ብዝሒ ሕማማትን ዝዛመድ ንኣሽቱ ሕክምናታት ምቛም፤
6.2.5 ሃገራዊ ቅዋም ብዝሓንጸጾ ሕጊ መሰረት፡ ብሕታውያን ኮነ ግብረ ሰናይ ትካላት ጥዕናዊ ኣገልግሎት ክህባ ምፍቃድ፤
6.2.6 ማሕበራዊ መድሕንን ጥሮታን ዘውሕስ ሜላታትን ሕግታትን ምንዳፍን፤ ኣላዪ ዘይብሎም ኣረጋውያን ዝዕቆብሉ ተኽእሎ ንምርግጋጽ ምጽዓርን፤
6.2.7 ባህላዊ ሕክምና ብዘመናዊ መጽናዕቲ እተደገፈ ንምግባሩ ምቅላስ። ኣብ ህይወት ሰብ ሓደጋ ዘስዕቡ ልምዳዊ ወይ ያታዊ መድሃኒታት ጠጠው ከምዝብሉ ምግባር፤
6.2.8 ኣብ ሞያ ኣገልግሎት ጥዕና ዝዋፈሩ፡ ካብ ተራ ኣለይቲ ክሳብ ዝለዓሉ ሓካይም ዝስልጥንሉ ትምህርታዊ መደብን ማእከልን ምስንዳእ፤
6.2.9 መሰረታዊ ጥዕናዊ ፖሊሲና ኣብ ቅድመ ምክልኻል ሕማማት ዝተመስረተ ይኸውን።
6.3 ማሕበራዊ ፍትሕን ማሕበራዊ ውሕስናን
6.3.1 ኵሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ምዃኑ ምርግጋጽ፤
6.3.2 ኵሉ ዜጋ ብሞያኡን ክእለቱን ማዕረ መሰልን ዕድልን ስራሕ ክህልዎ ምእማን፤
6.3.3 መሰል ሰራሕተኛታት ብሕጊ ከምዝኽበር ምግባርን፣ ንመሰል ሰራሕተኛታት ዝጣበቓ ሞያውያን ማሕበራት ክቖማ ምትብባዕን፤
6.3.4 ደሞዝ ሰራሕተኛታት ንደረጃ መነባብሮ ዝመጣጠንን ብውዕልን ክኸውን፤ ናይ ሰራሕተኛታት ዝተሓተ ደሞዝ ድማ ብሕጊ ክውሰን፤
6.3.5 ስራሕ ኣልቦነት ንምቁጽጻር ቀጻሊ ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ምጽዓር፤ ክሰርሑ ዘይክእሉ ዜጋታት ዝናበይሉ ትካላት ምቛም፤
6.3.6 ንደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ኣረጋውያንን ካብ ኵሉ ዓይነት ምዝመዛን ዓመጽን ምክልኻል፤
6.3.7 መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኵሉ መዳይ ሕብረተሰብ ዝተሓለወ ከምዝኸውን ምግባርን፤ ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ከህልወን ምርግጋጽን። ደቂ ኣንስትዮ ብማሕበር ተወዲበን ንመሰለን ክቃለሳ ምትብባዕ፤
6.3.8 ቅድሚ ሕርስን ድሕሪ ሕርስን ኣብ ዘሎ ግዝያት፡ ቦታ ስራሕ ደቂ-ኣንስትዮ ሕዙእ ኰይኑ ክጸንሕን፣ ደሞዘን ሕልዊ ንኽኸውንን ምቅላስ፤
6.3.9 ሓረስቶት ፍርያቶም ብተመጣጣኒ ዋጋ ሸይጦም ተጠቀምቲ ዝዀንሉ ምቹእ ኩነታት ምፍጣር፤ ንረብሓኦም ዝከላኸላ ንቓባውያን ማሕበራት ከቘማ ምትብባዕ፤ ዘመናዊ ሕርሻዊ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ዕድላትን ትካላትን ምፍጣር፤
6.3.10 ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ጋዜጠኛታት፡ መንእሰያትን ካልኦት ክፍልታት ህዝብናን ንቓባውን ሞያውን ማሕበራት ከቚሙ ምትብባዕ፤
6.3.11 ንረብሓ ህጻናት፡ ኣረጋውያንን ዝሕሉ መደባት ምሕንጻጽ፤
6.3.12 ንውጉኣት ሓርነትን ብባህርያዊ ምኽንያት ኣካላቶም ዝሰንከሉን ዜጋታት፡ ፍሉይ ረብሓን ክንክንን ዝረኽብሉ መደባት ንምስራዕ ምቅላስ፤ ኵነታቶም ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ስራሕ ትካላት ምትእትታውን ንቓባዊ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ክምዕብልን ምትብባዕ፤
6.3.13 ስድራ ስውኣት፡ ዝግባእ ክብርን ደገፍን ክረኽቡ ምቅላስ፤
6.3.14 ስደተኛታት፡ ኣብ ቦታ ስደቶም መሰሎም ክሕሎ ምቅላስ፤ ካብ ቦታ ስደት ንዓዶም ተመሊሶም ዝጣየስሉ መደባት ንምዕዋት ምጽዓር፤ ንስደተኛታት ዝጣበቕ ማሕበር ክህሉን ክምዕብልን ምትብባዕ፤
6.3.15 ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታት፡ ንሓድነትን ፍልልይን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ፣ ኣብ ምጽውዋርን ኣብ ምክብባርን ዝተሞርኰሰ፣ ንሓባራዊ ሽግራት ብሓባር ክገጥሙ ዘብቅዖም፡ ነጻ ሲቪላዊ ማሕበራት ከቑሙ ምትብባዕ፤
6.3.16 ንድሑር ባህልታት ምቅላስን ንኣወንታዊ ባህልታትና ምትብባዕን፣ ብዙሕነታዊ ባህልና ምኽባርን ንዝዀነ ዓይነት ሃይማኖታዊ ይኹን ዓሌታዊ ኣድልዎ ምቅላስን።
6.3.17 ብሄራት ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ኣለወን
6.3.18 ብሄራት ብመሰረት ሻድሻይ ምዕራፍ፡ ንኡስ ዓንቀጽ 6.1.9 ብቋንቋኤን ክምህራን ቅዋም ብዘፍቅዶ መሰረት ክዳነያን መሰል ኣለወን።
6.3.19 ብሄራት ቋንቋኤንን ባህለንን ከማዕብላ መሰል ኣለወን
6.3.20 ብሄራት ምስ ሃገራዊ ቅዋምን ካልኦት መሰረታዊ ሕግታት ሃገርን ብዝሰማማዕ መንገዲ ያታዊ ሕግታተን ከተግብራ፡ ካባቢኤን ከማሓድራን ኣብ ሃገራውን ቦታውን ምምሕዳር ተሳትፎኤንን ውክልናአንን መሰል ኣለወን።
ሻብዓይ ምዕራፍ
- ዕቃበ ከባቢ (Environmental Protection)
7.1 ከባቢና ንምዕቃብን ንምክልኻልን፡ ዓቐን ዘይሓለወ ጥረ ነገር ዘባኽን ብኡ ኣቢሉ ድማ፡ ዝያዳ ጕሓፍ ዝፈጥር ባህልን ኣሰራርሓን ንምንካይን፣ ካብ ነዳዲ ዝፍኖ ናይ ኣየር ብከላ ትሑት ንኽኸውን ኩሉ ዝከኣል ጻዕርታት ምግባር፤
7.2 ኣየር፣ ወሓዝቲ፤ ዒላታት፤ ሓጽብታት፤ ቀላያትን ባሕርናን ብጽሬት ምሓዝን ምዕቃብን፤
7.3 ሃገራዊ ሃብቲ ዝዀኑ ኣግራብን እንስሳታት በረኻን ከይበርሱ ምክልኻል፤
7.4 ከባቢ ንምዕቃብ፤ ዘመናዊ ስነ-ኪነት ምጥቃምን ብሕጊ ምቍጽጻርን፤ እዚ ብደረጃ ሃገር ጥራይ ከይተወሰነ፡ ብዓለም-ለኸ (ግሎባል) ደረጃ`ውን፡ ዓቕምና ዘፍቅዶ ኣስተዋጽኦና ምርግጋጽ፤
7.5 ዕቃበ-ከባቢ ንህልዊ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንቀጻሊ ወለዶታት ዘማዕደወ መደብ ንክኸውን፤ ከባቢና ክብክሉ ዝኽእሉ ባዮሎጂካውን ኑክልያራውን መደበራት ኣብ ሃገርና ንኸይትከሉ ምቅላስ፤
7.6 ከባቢና ክብክል ዝኽእል፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጽእ ጐሓፍ፡ ኣብ ማያትናን መሬትናን ንኸይጓሓፉ ምእጋድ።
ሻሙናይ ምዕራፍ
- ዝምድናታት ወጻኢ፡-
ምስ ዝዀነ ሃገር ዝህልወና ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ኢዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ንናይ ሓባር ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ዝኽእል ኢዩ። በዚ ምኽንያት ልዑላውነት ሕድሕድ ኣኽቢርና፡ ኣብ ናይ ሓድሕድ ውሽጣዊ ጉዳያት ከይተኣታተና፡ ንሰላምን ቍጠባዊ (ምጣኔሃብታዊ) ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግብኣና። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣዕናዊ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ህልዊ ስርዓት ጨሪሱ ብምስራዝ፡ ምስ ጐረባብቲ ህዝብታት ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ምርድዳእን ዝተሰረተ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲ ክኽተል ኢዩ።
ምስ ርሑቕ ዓለም ዝህልወናና ዝምድና’ውን ከምኡ፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ እተሰረተ ኢዩ ክኸውን። ብፍላይ ድኽነትን ድንቁርናን ሕማማትን ንምቁጽጻርን ንምስዓርን፣ ንጽጉም ህዝቢ ዓለም ንምርዳእን ዝግበር ዓለማዊ ምንቅስቓስ፡ ምስ መሰረታዊ ዕላማና ስለ ዝተኣሳሰር ብምሉእ ዓቕምና ክንተሓባበሮ ኢና። እቲ ንሃገርና ካብ ዓለም ነጺሉ ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓታትና ዝሰርሕ ዘሎ ጉጉይ ፖሊሲታት መላኺ ስርዓት ጨሪሱ ክሕከኽ እዩ።
8.1 ኵሉ እንገብሮ ዝምድናታት ወጻኢ፡ ንሓባራዊ ረብሓን ናጽነት ሕድሕድን ዘኽበረ ክኸውን ኢዩ፤
8.2 ምስ ፕሮግራምና ዘሳኒ ፕሮግራም ዘለወን ዞናውን ኣህጉራውን ሰልፍታት፡ ጥቡቕ ሕውነታዊ ዝምድናታት ከምዝፍጠርን ከምዝምዕብልን ምግባር፤
8.3 ኣብ ዞናና ሰላምን ቅሳነትን ሓባራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ዕብየትን ብምድግጋፍ ክረጋገጽ ምቅላስ፤
8.4 ምስ ኵለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓ፡ ምክብባር፡ ጣልቃ ዘይምትእትታውን ዓለምለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝብሉ ፖሊሲታት ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር፤
8.5 ንሽግራት እንፈትሓሉ ቀንዲ መሳርሕና ሰላማውን ዲፕሎማስያውን መስርሕ ኢዩ፤
8.6 ምስ ዝዀነት ሃገር ዝግበር ንግዳዊ ውዕላትን ኩሉ መዳያዊ ዝምድናታትን ፍትሓውን ሃናጽን ክኸውን ምቅላስ፤
8.7 ኣንጻር ዝዀነ ይኹን ዓሌታዊ ኣድሉዎን ጭቆናን ዝቃለስ ፖሊሲ ምኽታል፤
8.8 ብደረጃ ዓለም ንዝካየድ ጸረ ድኽነትን ሕማምን ድንቁርና ዝቃለስ ምንቅስቓስ ምድጋፍን ንምዕዋቱ ብዓቕምና ምጽዓር።
ምጽንባራዊ ኮንፈረንስ፡
ጥሪ 1, 2010
Download this page in PDF format